abreham gebremedhin – ሃመልማሎ كلمات اغاني
ቆንጆ በዓልቲ ሃበባ
ተበሃጊት ምችጭውቲ ከም ተኽሊ ህዮባ
ሃመልማሎ ጎይታ ጥበብ ዘወቀባ
ኣቲ እምበር ‘ዶ ጓል ሰብ ኢኺ ንገርናባ
ሃመልማሎየ ቅሻረትኪ መመሊሱ ይገርመናሎየ
ኣምሳያ ገነት ኤዶም ሃመልሚል ቀለማ
እታ ፀላም ዕንቑ ንብስኺ ኣፍሪቃዊ ደማ
መን እዩማ ዘይመፃባዕ ልቡ ከግዝማ
ደረት ትምኒት መልክዕ ከም ፀሐይ ፈለማ
ኣባኺ እንደያ ኣኽቲማ
(ደስ ደስ) ሃመልማሎ
(ደስ ደስ) ኣንቲ ሉል ውቅያኖስ
(ደስ ደስ) ደስ ትብል ግርማ
(ኣለኪ) ከም ፅህዲ ሊባኖስ
ቆንጆ በዓልቲ ሃበባ
ተበሃጊት ምችጭውቲ ከም ተኽሊ ህዮባ
ሃመልማሎ ጎይታ ጥበብ ዘወቀባ
ኣቲ እምበር ‘ዶ ጓል ሰብ ኢኺ ንገርናባ
ሃመልማሎየ ቅሻረትኪ መመሊሱ ይገርመናሎየ
ንተኣምርዶ ይኸውን ኣምላኽ እዚ ሕያዋይ
ፈጢሩኪ ከም ከኣ ሰሌዳ ሰማይ
መድረኽ እተብርህ ዝተፈጥረት ፀሐይ
ወይዘሪት ቁንጅና ናትኪዩ እወ ዝመድረኽ
ብዘውድኺ ይመለኽ
(ደስ ደስ) ሃመልማሎ
(ደስ ደስ) ሃሪ ህዛባ
(ደስ ደስ) ደስ ዝብል ሞገስ
(ኣለኪ) ከም ንግስተ ሳባ
ሃመልማሎ ኣብ ቅድሚ ቅሻረትኪ
ጣቋ የብሉን መልክዕ ሞናሊዛ
እታ ዓለም ዘዛረበት ብቐለም
ብሩሽ ሊዮናርዶ ዝመሃዛ
መፀለል
መቕለበት ናይ ኣጡባትኪ
መትኮብ ዒፍ ይመስላ ተዓዲለኪ
ዕታሮ ሽምጥኺሞ
ቅናት ኾይነዶ ኣንቲ ክጥምጠሞ
ጓል ዓደይ ኣሽንኳይዶ
ሰብ ሕልና ንዓብደልኪ
ብቁንጅናኺ ተሃሚለን
ኣዕዋፍኳ ዝረግፋልኪ
እሰይ ሃመልማሎ ተዓዊቱልኪ
መፀለሊተይ ወይ ክትፍተወካ
ሃመልማሎ ኣብ ቅድሚ ቁንጅናኺ
ዋጋ የብሉን መልክዕ ሞናሊዛ
እታ ዓለም ዘዛረበት ብብሩሽ
ቐለም ሊዮናርዶ ዝመሃዛ
መፀለል
ዓይንኺ ካሳቴ ብርሀን
ምዕጉርትኺ ተምሳል ፍረ ሮማን
ከናፍርኪ ዘን ምጭዋት
ከስተማቕረንዶ ከም ሓለዋት
ጓል ዓደይ ኣሽንኳይዶ
ሰብ ሕልና ንዓብደልኪ
ብቁንጅናኺ ተሃሚለን
ኣዕዋፍኳ ዝረግፋልኪ
እሰይ ሃመልማሎ ተዓዊቱልኪ
መፀለሊ (ላ ላ ሊ ላ ለ የ)
ሃመልማሎ ኣብ ቅድሚ ቅሻረትኪ
ጣቋ የብሉን መልክዕ ሞናሊዛ
እታ ዓለም ዘዛረበት ብቐለም
ብሩሽ ሊዮናርዶ ዝመሃዛ
(መፀለል…)
መቕለበት ናይ ኣጡባትኪ
መትኮብ ዒፍ ይመስላ ተዓዲለኪ
ዕታሮ ሽምጥኺሞ
ቅናት ኾይነዶ ኣንቲ ክጥምጠሞ
ጓል ዓደይ ኣሽንኳይዶ
ሰብ ሕልና ንዓብደልኪ
ብቁንጅናኺ ተሃሚለን
ኣዕዋፍኳ ዝረግፋልኪ
እሰይ ሃመልማሎ ተዓዊቱልኪ
መፀለሊተይ ወይ ክትፍተወካ
كلمات أغنية عشوائية
- iykz › iykz – kilo كلمات اغاني
- young eno › young eno – zu zweit كلمات اغاني
- raithage › raithage – dear diaryy كلمات اغاني
- kenny chesney › kenny chesney – i want to know what love is كلمات اغاني
- sharky major › sharky major – shark attack كلمات اغاني
- lil kae › lil kae – so many drugs كلمات اغاني
- enizeo › enizeo – intro-and£r$ كلمات اغاني
- sn1 otb › sn1 & otb – up in the shoobz كلمات اغاني
- kadhja bonet › kadhja bonet – fairweather friend كلمات اغاني
- la varda › la varda – le bahut كلمات اغاني