
shalom h. naizgi - ygeletsu | ይገለጹ lyrics
Loading...
ኣብ ምድረ በዳ ኣጻምእ ብተስፋ ዝዘርኡ
ንዕዮ ወንጌል ብእምነት ዝምርሹ
ብፈኸራ ማዕበል ፍጹም ዘይርበሹ
ብግብርን ብቓልን ፍቓድካ ዘንግሱ
ይገለጹ ኣገልገልቲ ከምዚኦም ዝበሉ
ሰማያዊ ናእዳኻ ጥራይ ዘቐድሙ
ናብ ክብሪ ዘሳግር ጸጋኻ ይፈልፍል
ኣባና ዝዓዪ ንዓኻ ክንመስል
ከምቲ ናይ ልብኻ ቅንኣትካ ዝቐንኡ
ስለ ሓንቲ ነፍሲ ክሳዕ ሞት ዝጋደሉ
ንምውራስ ተስፍኦም ፍጹም ዘይሕለሉ
ዕረፍቶም ሰዊኦም ደቕኻ ዘዕርፉ
ይገለጹ ኣገልገልቲ ከምዚኦም ዝበሉ
ሰማያዊ ናእዳኻ ጥራይ ዘቐድሙ
ናብ ክብሪ ዘሳግር ጸጋኻ ይፈልፍል
ኣባና ዝዓዪ ንዓኻ ክንመስል
ዓመጻ ዝጸልኡ ጽድቂ ዝፈትዉ
ንምህናጽ ቤትካ ብመንፈስ ዝተቐብኡ
ምኽርኻ ዘኽብሩ፡ ህዝብኻ ዘፍቅሩ
ሰብ_ሕድሪ ይገለጹ ወለዶ ዘስግሩ
ብእምነት ንቐርብ ንተስፋኻ ሒዝና
ከም እተቐበልናዮ ምስናይ ምስጋና
ክበዝሑ ኣብ ቤትካ ትጉሃት ዓያይቲ
ጸሎትና ነዕርግ ቀትሪ ኾነ ለይቲ
كلمات أغنية عشوائية
- gush - siblings (20syl c2c remix) lyrics
- diego thug - stephen curry lyrics
- clouseau - oogcontact lyrics
- stone temple pilots - pop's love suicide lyrics
- samy deluxe - one take wonder 1 "god beat" lyrics
- jota quest - pretty baby lyrics
- paradise fears - same love lyrics
- yö - tunnit lyrics
- gavin mikhail - wake me up when its all over lyrics
- dreaadoe - who i am lyrics