
nahom yohannes meste - guya guya كلمات أغنية
ጉያ ጉያ’ዶ ኾይኑ ረሲዓ ማሕላ’የ
ፈቃር ልበይ’ከ ምስ መንያ ትሓድጎ ዘላ
ኣይትድንግጽን’ዶ ቑሩብ እንዳሓመምኩላሲ
ጠንጢናትኒ ትኸይድ ኣብ ደስ ዝበላ
ፍቕራ ኣብ ልበይ ምስ ተኣጉደ
ሚዛን ፍቕራ ምስ ከበደ
ውሽጠይ ብኣኣ ምስ ዓበደ
ዘየጉድል ምሉእ ጁባ
ሃብታም ወዲ ‘ድያ ረኺባ?
ኣብዚሑ ዝህባ
ዳበልክዋ ዓለም በይነይ
ጸራጊቱ ንሕሰመይ
ወትሩ ምሳይ ኣብዛ ጎድነይ
ምሉእ ሃመይ ምስ ኣመና
ድኽነተይ ተጸይና
ኮይናትኒ ጓና’የ
መሲልዋ እምበር ድኽነት’ዶ ኾይኑ ኣበር?
ብገንዘብ’ዶ ይንዋሕ’ዩ? ኣይ ብፍቕሪ እንድዩ ዝንበር
ኣሚኑ ልበይ ኣጥሊልዋ እንድዩ ምኡዝ ፍቕሪ
ግዳስ ከም ኢዱ ዝረክብ ከቶ የለን ኣብዛ ምድሪ
ጉያ ጉያ’ዶ ኾይኑ ረሲዓ ማሕላ’የ
ፈቃር ልበይ’ከ ምስ መንያ ትሓድጎ ዘላ
ኣይትድንግጽን’ዶ ቑሩብ እንዳሓመምኩላሲ
ጠንጢናትኒ ትኸይድ ኣብ ደስ ዝበላ
ፍቕራ ኣብ ልበይ ምስ ተኣጉደ
ሚዛን ፍቕራ ምስ ከበደ
ውሽጠይ ብኣኣ ምስ ዓበደ
ዘየጉድል ምሉእ ጁባ
ሃብታም ወዲ ድያ ረኺባ?
ኣብዚሑ ዝህባ
ዳበልክዋ ዓለም በይነይ
ጸራጊቱ ንሕሰመይ
ወትሩ ምሳይ ኣብዛ ጎድነይ
ምሉእ ሃመይ ምስ ኣመና
ድኽነተይ ተጸይና
ኮይናትኒ ጓና’የ
መሲልዋ እምበር ድኽነት’ዶ ኾይኑ ኣበር?
ብገንዘብ’ዶ ይንዋሕ’ዩ? ኣይ ብፍቕሪ እንድዩ ዝንበር
ኣሚኑ ልበይ ኣጥሊልዋ እንድዩ ምኡዝ ፍቕሪ
ግዳስ ከም ኢዱ ዝረክብ ከቶ የለን ኣብዛ ምድሪ
ብሓቂ ተጋግያ እምበር
ከምዚ’ዶ ይግበር?
ብልባ ድያ ኻልእ ኮይና?
ውሽጢ ውሽጠይ እንዳኣመና
ሑኽ እናልኩ ኸማዕርጋ
ፈውሲ ማሕላ ስኢነ ዋጋ
ኣይ ኣነ እንድየ ግዙእ ናታ
ንግሆ ምሸት ዋላ ኣብ ከውታ
በየን ከይዳ ኻብዛ ጎድነይ?
ጽልምት ኢላ ‘ዛ ዓለመይ
ብዘይ ብኣኣ ዋላ ፍጹም ገነት
ኣይጥዑምን ብኡነት
ላንጋ ላንጋ’ዩ ህይወት
እሞ’ኸ ደኣ
ሕጂ ‘ታይ ይኹን ልበይ?
ሰፈር ንብዓት ከይከውን
ምኽሪ ሃቡኒ ሰበይ
ብልባ’ድያ ኻልእ ኮይና
ውሽጢ ውሽጠይ እንዳኣመና
ሑኽ እናልኩ ኸማዕርጋ
ፈውሲ ማሕላ ስኢነ ዋጋ
ኣይ ኣነ እንድየ ግዙእ ናታ
ንግሆ ምሸት ዋላ ኣብ ከውታ
በየን ከይዳ ኻብዛ ጎድነይ?
ጽልምት ኢላ ‘ዛ ዓለመይ
ብዘይ ብኣኣ ዋላ ፍጹም ገነት
ኣይጥዑምን ብኡነት
ላንጋ ላንጋ’ዩ ህይወት
እሞ’ኸ ደኣ
ሕጂ ‘ታይ ይኹን ልበይ?
ሰፈር ንብዓት ከይከውን
ምኽሪ ሃቡኒ ሰበይ
ምኽሪ ሃቡኒ ሰበይ
ምኽሪ ሃቡኒ ሰበይ
كلمات أغنية عشوائية
- dread.pi - ещё один шот (more one shot) كلمات أغنية
- harvey justice iii - fuck everything but the money! كلمات أغنية
- mortimer - love vibration كلمات أغنية
- fred mac - só ligar كلمات أغنية
- ramka - surf كلمات أغنية
- yvng timmy drip - wawa كلمات أغنية
- fig karl - 100 كلمات أغنية
- bl'eve brown - big nigga كلمات أغنية
- medium sean - meant to be broken كلمات أغنية
- cakos - defensor del pueblo كلمات أغنية