
kiros asfaha - eritrean كلمات أغنية
ከላዕላ ሃገረይ ከላዕላ
ከላዕላ ክብረተይ ከላዕላ
ከላዕላ ሪመይ ዋጋ ደመይ ክብላ
ዎይ ዎይ ዎይ ሃ… ኣሃ ኣሃ
ባህረ ነገስታት ከላዕላ
ዓደይ ዓዲ መስጊድ ዓደይ ዓዲ ደብሪ
ዓዲ ምብህሃል ዓዲ ስኒት ፍቅሪ
ጽላልኪ ሓድነት መቀነትኪ ባሕሪ
ንስክስ ዘልኣለም ከበርኪ ንበሪ
ዓደይ ዝሰገርኪ ንቅብጸት’ን ናቅፋን
ዓደይ ዝከፈልኪ መርሃዊ ምስ ዓፋን
እትምንታይ ዲና ሰምናኪ ዝፋን
ማሙቅ ኬንኪ እንዲኪ ዝያዳን ሃለፋን
ስመር ወዲ ሃገር ተኣምር ፍትረት
ስመር ወዲ ሃገር ተኣምር ፍትረት
ዓደይ ሃላለይ መዓር ወለላ ቱጽቡቅ ሓወይ ዝሓለፈላ
ዝፈትዎ ዓርከይ ዝሓለፈላ
መተዓብይተይ ዝሓለፈላ
ወዲ ትምርተይ ዝሓለፈላ
ወዲ ኣሃዶይ ዝሓለፈላ
ኣነ ንባዕለይ ዝከረተትኩላ
ኣነ ንባዕለይ ዝደመኩላ
ዓደይ መዓር ወለላ ዓደይ መዓር ወለላ ዓደይ ጅግና ጽላላ
ስለዚ ኢና ንምነ ኤርትራና ወይ ሞት
ኤርትራና ወይ ሞት 6
ኤርትራ ወይ ሞት 2
ኤርትራ
ስመር ወዲ ሃገር ተኣምር ፍትረት
ስመር ወዲ ሃገር ተኣምር ፍትረት
ኣብ ኣፍሪቃ ዛዊነ ዛዊነ
ማእከላይ ምብራቅ ዛዊነ ዛዊነ
ኣሜሪካ ዛዊነ ዛዊነ
ኣብ ኤውሮፓ ዛዊነ ዛዊነ
ኣብ ካናዳ ዛዊነ ዛዊነ
ኣውስትራልያ ዛዊነ ዛዊነ
ነሃገረይ ትመስል ሲኢነ
ከላዕላ ሃገረይ ከላዕላ
ከላዕላ ክብረተይ ከላዕላ
ከላዕላ ሪመይ ዋጋ ደመይ ክብላ
ዎይ ዎይ ዎይ ሃ… ኣሃ ኣሃ
ባህረ ነገስታት ከላዕላ
ዓደይ ዓዲ ጥሪት ዓዲ መዓር ጸባ ዓዲ ሉሙዕ ሻካ ዓዲ ሃብታም ሩባ
እምነትኪ ዓበይቲ ስግዳንኪ ንሰማይ
መሬትኪ ወሃቢ ረሃጽኪ እክለ ማይ
ዓደይ ተሓፋሪት ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ
ዓዲ ናይ ራእስታት ዓዲ መካንንቲ
ዓወት ሕላገትኪ ንድሎ ብድሎ
ኣዲ ናይ ዞም ክልተ ዋርሳይካኣሎ
ስመር ወዲ ሃገር ተኣምር ፍትረት
ስመር ወዲ ሃገር ተኣምር ፍትረት
ዓደይ ሃላለይ መዓር ወለላ ቱጽቡቅ ሓወይ ዝሓለፈላ
ዝፈትዎ ዓርከይ ዝሓለፈላ
መተዓብይተይ ዝሓለፈላ
ወዲ ትምርተይ ዝሓለፈላ
ወዲ ኣሃዶይ ዝሓለፈላ
ኣነ ንባዕለይ ዝከረተትኩላ
ኣነ ንባዕለይ ዝደመኩላ
ዓደይ መዓር ወለላ ዓደይ መዓር ወለላ ዓደይ ጅግና ጽላላ
ስለዚ ኢና ንምነ ኤርትራና ወይ ሞት
ኤርትራና ወይ ሞት 6
ኤርትራ ወይ ሞት 2
ኤርትራ
ስመር ወዲ ሃገር ተኣምር ፍትረት
ስመር ወዲ ሃገር ተኣምር ፍትረት
ኣብ ኣፍሪቃ ዛዊነ ዛዊነ
ማእከላይ ምብራቅ ዛዊነ ዛዊነ
ኣሜሪካ ዛዊነ ዛዊነ
ኣብ ኤውሮፓ ዛዊነ ዛዊነ
ኣብ ካናዳ ዛዊነ ዛዊነ
ኣውስትራልያ ዛዊነ ዛዊነ
ነሃገረይ ትመስል ሲኢነ
كلمات أغنية عشوائية
- i'm an astronaut - the tower كلمات أغنية
- black spikes - don't tell me كلمات أغنية
- natanael - crackow كلمات أغنية
- heroyam - parfum كلمات أغنية
- aperestyagin - air force كلمات أغنية
- seaforth - breakups كلمات أغنية
- stranger xai - wonder why? كلمات أغنية
- matt easton - godspeed كلمات أغنية
- atc taff - cold war كلمات أغنية
- moncho chavea & sami duque - se lo cree كلمات أغنية