kalimah.top
a b c d e f g h i j k l m n o p q r s t u v w x y z 0 1 2 3 4 5 6 7 8 9 #

amanuel weldegabr – adey كلمات اغاني

Loading...

ኣደይ
እምነተይ ኢልክኒ እምነት ዝሓለፈ
እምነተይ ኢልክኒ እምነት ዝሓለፈ

ኮስኪስኪ የዕቢኽኒ እንታይሞ ተረፈ
ውዕለትኪ ኣይፈጸምኩን ቅሩብ ተዓንቂፈ
ውዕለትኪ ኣይፈጸምኩን ቅሩብ ተዓንቂፈ

ሓንቂቐ አዕቢኽኒ ቀልዓለም ዘይብሉ
ሓንቂቐ አዕቢኽኒ ቀልዓለም ዘይብሉ
ሱፍ ኮይነ ብርሃንኪ ጽላልኪ ኣጽሊለሉ
ኣብ ትሕቴኺ አዕቅል ካብ ሃሩር ካብ ቁሪ
ንበሪ ትምኒተይ ክትከብሪ
ካብ ሃሩር ካብ ቁሪ
ንበሪ ትምኒተይ ክትከብሪ

ሃለኽለኽ ክትብሊ ብርኪ ከየዕረፈ
ሃለኽለኽ ክትብሊ ብርኪ ከየዕረፈ
ገጽኪ ብብሩሁ ተስፋ ኸይነገፈ
እንካ ዝብል ቃልኪ ዘይልወጥ ቅኒቱ
ንዓኺ ‘ኹን ወርሓቱ ዓመቱ
ዘይልወጥ ቅኒቱ
ንዓኺ ‘ኹን ወርሓቱ ዓመቱ

ክጥዕመኪ’ዩ ብዘይ ቀልዓለም
ጽምም በሊ ሓላፋዩ ጸገም
ክጥዕመኪ’ዩ ብዘይ ቀልዓለም
ጽምም በሊ ሓላፋዩ ጸገም

ዝባንኪ ዓብየሉ ሓንቂቐ
ለውሃትኪ ካብ ንግሆ ሰኒቐ
ዝባንኪ ዓብየሉ ሓንቂቐ
ለውሃትኪ ካብ ንግሆ ሰኒቐ
ውዕለትኪ መዓስ ከም ዝፈድዮ
ሳጽዩኒ ምስልኺ ክርእዮ
ውዕለትኪ መዓስ ከም ዝፈድዮ
ሳጽዩኒ ምስልኺ ክርእዮ

እምነተይ ኢልክኒ እምነት ዝሓለፈ
እምነተይ ኢልክኒ እምነት ዝሓለፈ
ኮስኪስኪ የዕቢኽኒ እንታይሞ ተረፈ
ውዕለትኪ ኣይፈጸምኩን ቅሩብ ተዓንቂፈ
ውዕለትኪ ኣይፈጸምኩን ቅሩብ ተዓንቂፈ

ፈጣሪ ክልምን ጥዕናየ ዝብሎ
ፈጣሪ ክልምን ጥዕናየ ዝብሎ
ይበጽሖ’ዩ ኩሉ ርግኣት ዝዓደሎ
ክበርህ’ዩ እዋን ኣደይ ፍሽኽ በሊ
ምስጢሩ ኣብ ተስፋ’ዩ ዘሎ
ኣደይ ፍሽኽ በሊ
ምስጢሩ ኣብ ተስፋ’ዩ ዘሎ

ክትረኽቢ እፎይታ ምንባር እትብልሉ
ክትረኽቢ እፎይታ ምንባር እትብልሉ
ካብ ጻዕሪ [?] ሕሉፍ ትጸውየሉ
እምነት ከም እምነትኪ ይሗሉኽ’ዩ ባዕሉ
ኣደየ ትምነትኪ ኣጥሊሉ
ይሗሉኽ’ዩ ባዕሉ
ኣደየ ትምነትኪ ኣጥሊሉ

ክጥዕመኪ’ዩ ብዘይ ቀልዓለም
ጽምም በሊ ሓላፋዩ ጸገም
ክጥዕመኪ’ዩ ብዘይ ቀልዓለም
ጽምም በሊ ሓላፋዩ ጸገም

ዝባንኪ ዓብየሉ ሓንቂቐ
ለውሃትኪ ካብ ንግሆ ሰኒቐ
ዝባንኪ ዓብየሉ ሓንቂቐ
ለውሃትኪ ካብ ንግሆ ሰኒቐ
ውዕለትኪ መዓስ ከም ዝፈድዮ
ሳጽዩኒ ምስልኺ ክርእዮ
ውዕለትኪ መዓስ ከም ዝፈድዮ
ሳጽዩኒ ምስልኺ ክርእዮ
ውዕለትኪ መዓስ ከም ዝፈድዮ
ሳጽዩኒ ምስልኺ ክርእዮ
ውዕለትኪ መዓስ ከም ዝፈድዮ
ሳጽዩኒ ምስልኺ ክርእዮ
ውዕለትኪ መዓስ ከም ዝፈድዮ
ሳጽዩኒ ምስልኺ ክርእዮ
ውዕለትኪ መዓስ ከም ዝፈድዮ
ሳጽዩኒ ምስልኺ ክርእዮ
ውዕለትኪ መዓስ ከም ዝፈድዮ
ሳጽዩኒ ምስልኺ ክርእዮ
ውዕለትኪ መዓስ ከም ዝፈድዮ
ሳጽዩኒ ምስልኺ ክርእዮ
ውዕለትኪ መዓስ ከም ዝፈድዮ
ሳጽዩኒ ምስልኺ ክርእዮ

كلمات أغنية عشوائية

اهم الاغاني لهذا الاسبوع

Loading...