
abraham alem - hieru كلمات أغنية
ሄሩ ሄሩ
‘ታየ በዲለኪ ፍቕረይ ክልተ ገጻት ተርእይኒ
ደሓን ኣላ እናበልኩስ ካልእ ሰብ ትኾንኒ
ልበይ ምስ ቀሓረ ድማ ከም ብሓድሽ ትምለሲ
በቲ ጥዑም ልሳንኪ ንልበይ ተረስርሲ
ግድፊ’ባ ኣብ ፍቕሪ ‘ተበዚሑ ህልኽ
ሰይጣንዩ ዝነግስ
ከም ቀደምኪ’ባ ኹንለይ
ጋሻ ባህርየይ ከይጽልምት
‘ታየ በዲለኪ ፍቕረይ ክልተ ገጻት ተርእይኒ
ደሓን ኣላ እናበልኩስ ካልእ ሰብ ትኾንኒ
ልበይ ምስ ቀሓረ ድማ ከም ብሓድሽ ትምለሲ
በቲ ጥዑም ልሳንኪ ንልበይ ተረስርሲ
ግድፊ’ባ ኣብ ፍቕሪ ‘ተበዚሑ ህልኽ
ሰይጣንዩ ዝነግስ
ከም ቀደምኪ’ባ ኹንለይ
ጋሻ ባህርየይ ከይጽልምት
ፍቕረይ ካበይ’ዩ መጽዩ ‘ዚ ጋሻ ባህሪ
ከምዛ ዘይነበርኪ መምህር ፍቕሪ
እናቃባጠርኩልኪ ተንጸርጽሪ
ግደፊ’ባ ኸምኡ ኣይትግበሪ
ብፍቕርኺ ዓዊረ እናበልኩኺ ምቃለይ
ከመይ ገይርኪ ወለላይ ካብ ልቢ ትጭክንለይ
ሎሚ ግና እንድዕልኪ ጥዑም ጠባይኪ ሃዲሙ
ህልኽን ምንጽርጻርን ኣብ ውሽጥኺ ተጋዲሙ
ሎሚሲ ተጠራጢረ ጠፊኡኒ መኣዝን ፍቕሪ
ወረ ከይተረኸበኒ ይኽደነኒ ፈጣሪ
ፈጣሪናስ ርህሩህ’ዩ ብሓቂ ረዳኢ ጽጉማት
ከም ቀደምኪ ኽገብረለይ ይልምኖ ኮይነ ኣብ ጸልማት
ኣቲ ሄሩየ ሰላቢት ልበይ
ንስኺ እንዲኺ እምንቲ ሰበይ
ብዘይ ብኣኺ ከንቱ’ያ እዛ ዓለም
ክምኡ ኣይትግበሪ ከይኣቱ ናብ ጸገም
ሄሩየ ኣቲ ብርሃን ገዛ
ሄሩየ ይኣኽለኒ ቃንዛ
ሄሩየ ከም ቀደምኪ ኹኒ
ሄሩየ ፍቕርኺ ሃብኒ
ኣቲ ሄሩየ ሰላቢት ልበይ
ንስኺ እንዲኺ እምንቲ ሰበይ
ብዘይ ብኣኺ ከንቱ’ያ እዛ ዓለም
ክምኡ ኣይትግበሪ ከይኣቱ ናብ ጸገም
ሄሩየ ኣግዘምኩኺ ልበይ
ሄሩየ ኣይትስበሪ ባህገይ
ሄሩየ ትሕትና’ዩ ፍቕሪ
ሄሩየ ኣብኡ’ባ ንበሪ
ሄሩየ ኣቲ ብርሃን ገዛ
ሄሩየ ይኣኽለኒ ቃንዛ
ሄሩየ ከም ቀደምኪ ኹኒ
ሄሩየ ፍቕርኺ ሃብኒ
كلمات أغنية عشوائية
- rose maddox - long journey home كلمات أغنية
- rose maddox - let those brown eyes smile at me كلمات أغنية
- rose maddox - long black limousine كلمات أغنية
- rose maddox - kneel at the cross كلمات أغنية
- rose maddox - just one more time كلمات أغنية
- rose maddox - jim dandy كلمات أغنية
- rose maddox - if you see my baby كلمات أغنية
- rose maddox - how beautiful heaven must be كلمات أغنية
- rose maddox - from a beggar to a queen كلمات أغنية
- rose maddox - gotta travel on كلمات أغنية